ወያነ እንስሳት Animal Farm

500+
Downloads
Content rating
Everyone
Screenshot image
Screenshot image
Screenshot image
Screenshot image
Screenshot image

About this app

ወያነ እንስሳት ናይ ኦርዌል ‘ኣኒማል ፋርም’ ዝብል መፅሓፍ ብትግርኛ
ዝተውሃቦ ስያመ እዩ።

እዚ ስያመ ዝተሓረየሉ ቀንዲ ምኽንያት ትሕዝቶ እቲ መፅሓፍ ኣጉሊሁ ዘርእይን ን“ኣኒማል ፋርም” “ሕርሻ እንስሳት” ካብ ዝብል ቀጥታዊ ፍታሕ “ወያነ እንስሳት” ዝብል ዝበለፀ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ንዝኾኑ ኣንበብቲ ትርጉም ኣለዎ ብምባል ስለዝኣመንኩሉ እዩ።

ወያነ እንስሳት ፤ ጆርጅ ኦርዌል ኣብ ናይ ሩስያ ዓመፅ ዝተዓዘቦን እቲ ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘስዐቦ ናይ ፖለቲካዊ ፣ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ፀገም ኣሽሙራዊ (ሳቲሪካል) ብዝኾነ ኣቀራርባ ዘቃለዐሉ ስራሕ እዩ። ናይ ወያነ እንስሳት ጭብጢ ፤ ብናይ ወድሰብ ጨቋኒ ምሕደራ ዘምረሩ እንስሳት ካብ ጥሜት ፣ ድኽነት ፣ ብዝበዛ ፣ ኢ-እንስሳዊ ምሕደራ ሓራ ንምውፃእን ባዕሎም ንባዕሎም ንምምሕዳርን ኣብ ልዕሊ ገዛእቶም ዓመፅ ምልዓሎምን መሰረታዊ ለውጢ ምግባሮምን ጥራይ ዘይኮነስ ፤ እቲ ዓመፅ ኣብ ህይወቶም ዘስዐቦ ፖለቲካዊ ፣ ኢኮኖምያዊን ማሕበራዊን ለውጢ ‘ዉን ትእምርታዊ (ሲምቦሊክ) ብዝኾኑ ገፀ-ባህርያት ናይ ታሪኽ ፍፃመ ኣዋዲዱ ሓተታ ዝገብር እዩ።

ወያነ እንስሳት ዕምቆትን ብስለትን ዘለዎ ፣ ኣመራማሪን ንሕልና ዝሙጉትን መፅሓፍ ብምዃኑ ብርክት ዝበሉ ናይ ሕ/ሰብ ሳይንስ ፣ ፖለቲካን ስነ-ፅሑፍን ምሁራት ብዙሓት መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘቕረብሉን ኣብ ምቕራብ ዝርከብሉን ብሉፅ መፅሓፍ ኮይኑ ይርከብ። ካብ ሞንጎ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝርከቡ ምሁራት ቋንቋን ስነ-ፅሑፍን ብወያነ እንስሳት ኣቢሎም ዘቕረብዎ መመረቒ ፅሑፍ (ቴሲስ) ናይ ፒኤች ዲ (ዶክትሬት ኦፍ ፊሎዞፊ) ዲግሪ ረኺቦም እዮም።
Updated on
Aug 2, 2023

Data safety

Safety starts with understanding how developers collect and share your data. Data privacy and security practices may vary based on your use, region, and age. The developer provided this information and may update it over time.
No data shared with third parties
Learn more about how developers declare sharing
No data collected
Learn more about how developers declare collection

What's new

Initial Release