ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት

10K+
Downloads
Content rating
Everyone
Screenshot image
Screenshot image
Screenshot image
Screenshot image

About this app

ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት

ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጹ ወለንታዊን ዘይወለንታውን ምንቅስቃሳት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝሓዘ ኢዩ። ንኣዳምን ሄዋንን ምርኩስ እንተገይርካ፣ ናይ ወዲ ሰብ ስደት ካብ ኤደን ናብ ምድሪ ኢዩ ጀሚሩ። ስነ-ጥንቲ ከም ዝሕብሮ ስደት ብምንቅስቃስ ናይ ሆሞኢረክተስ ካብ ኣፍሪቃ ኢዩ ጀሚሩ። ሰባት ከም ብውልቂ፣ ብስድራ ወይ ድማ ብመልክዕ ዓበይቲ ጉጅለታት ክንቀሳቀሱ ይኽእሉ ኢዮም። ስደት ኣካል ታሪኽ ናይ ዝኾነት ሃገርራብ ዓለም ኢዩ። ደቂሰባት ብሰንኪ ብዙሕ ምኽንያት ይስደዱ ከምኒ ጥሜት፣ ባህርያዊ ሓደጋ፣ ኩናት፣ ድኽነት፣ ኩነታት ኣየር፣ ዳህሳስ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ።

ብሰንኩ ብዙሕ ምኽንያት ናብ ኤውሮጳ መጺእካ ኣሎኻ። ናብዚ ዘሎኻዮ ንኽትበጽሕ ብዙሕ ተሳቂኻን ብብዙሕ ናይ ህይወት ብድሆታት ሓልፍካን ኢኻ። ናብዚ ምእታው መጀመርታ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ሓድሽ ሃገር ኢኻ ዘሎኻ፣ ዝተፈልየ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ሕብረተሰብ፣ መብዛሕቲኦም ነገራት ከኣ ንዓኻ ሓደሽቲ ኢዮም። ክትመሃርን ናብቲ ኣከባቢ ክትለማመድን ቅሩብ ክትከውን ኣሎካ። ንብሩህ መጻኢ ክትውስንን ክትሰርሕን ኣሎካ።

እዚ ሰነድ እዚ ግብራዊ ዝኾኑ ናይ ህይወት ምኽርን ማዕዳን ንኣብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝተዳለወ ኢዩ። ዝኾነ ሓድሽ ስደተኛ፣ ሓታት ዑቕባ፣ ወይ እውን ንነዊሕ እዋን ዝተቀመጠ ስደተኛ ተረባሓይ ናይዚ ሰነድ ክኸውን ኢዩ። እቲ ምኽርታትን ማዕዳን ካብ ናይ ህይወት ተመክሮ ናቶም ቅድመኹም ዝኣተው ስደተኛታት ዝተኣከበ ኢዩ። ግዜ፣ ጸዓት ከምኡ እውን ገንዘብ ክትቁጥቡ ዘኽእለኩም ጠቃሚ ሓበሬታ ካብዚ ሰነድ ክትረኽቡ ኢኹም። ገለ መምርሕን ኣንፈታትን ክህበኩም ኢዩ።
Tigrinya Tigrigna Eritrea
እዚ ምኽርታት ካብ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ናይ ዝቕመጡ ስደተኛታት ተመክሮ ተወሲዱ ዝተዳለወ ኢዩ፣ እዚ ሰነድ ብምዕራፋት ዝተኸፍለ ኮይኑ ንሶም ድማ ባህላዊ ጉዳያት፣ ከመይ ኢልካ ትወሃሃድ፣ ከመይ ኢልካ ናብቲ ሓድሽ ባህሊ ትወሃሃድ፣ ምምሃር ቋንቋ፣ ግዜ፣ ገንዘብን ፋይናንስን፣ መጠንቀቕታ፣ ሓበሬታ፣ ምድላይ ስራሕ፣ ዝተጻሕፉን ዘይተጻሕፉን ናይ ሕብረተሰብ ስርዓታትን ሕግታት ከምኡ እዋን ካልኦት ኣርእስታትን ዝሓዘ ኢዩ።
Deutsch German Europe
ኣብዚ ዝመጻእኩሞ ሃገር ህይወትኩም ምቹእን ዕላማ ዘሎዎን ንኽኸውን እዚ ኣብዚ ሰነድ ዘሎ ሓበሬታ ክሕግዘኩም ተስፋ ንገብር። ዝኾነ ርእይቶ እንተልይኩም ብኽብረትኩም በቲ ኢመይልና ስደዱልና።
Updated on
Oct 9, 2023

Data safety

Safety starts with understanding how developers collect and share your data. Data privacy and security practices may vary based on your use, region, and age. The developer provided this information and may update it over time.
No data shared with third parties
Learn more about how developers declare sharing
No data collected
Learn more about how developers declare collection
Data is encrypted in transit
Data can’t be deleted